Fana: At a Speed of Life!

እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ጉዳይና ኣብ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ይረአየልና ክብሉ ስምዕታ ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ጉዳይና ኣብ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ይረአየልና ክብሉ ስምዕታ ኣቕሪቦም።

እቲ ስምዕታ ሎሚ መዓልቲ ናብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መጋባእያ ምድብ ኣራዳ ቀሪቦም ኢዩ።

ኣብ መጋባእያ ዝተረኸቡ ጉጅለ ላእለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ብግደኦም፥ ስልጣን መንግስቲ ፌዴራል ንምዕናው ብዝብል ኣዋጅ ግብረ ራዕዲ ተመሓላሊፎም ኣብ መላእ ሃገር ዝተፈፀመ ገበን ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ተጠርጠርቲ ኣብ መቐለ ኮይኖም ብዘሃቡዎ ትእዛዝ ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ደብዳብ ሮኬት ክፍፀም ምግባሮም ከምኣብነት ኣቕሪቦም።

ተኸሰስቲ ስልጣን ተኸፋፊሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተፈፀመ ገበን ኢዩ ዘሎ ዝበለ እቲ ጉጅለ ዓቀብቲ ሓጊ፥ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብ ኮይኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም እናፈፀሙዎ ዝነበሩ ገበን ሓደ ቦታ ዘይምዃኑ ዘመላኽት ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ብስልጣን ከባቢ እንተይተገደበ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኢዩ ክረአ ዘለዎ ክብል ብጠበቓታት ዝቐረበ መካትዒ ውድቂ ን ኽግበር ሓቲቱ።

ቤት ፍርዲ ብግድኡ፥ ብሓፈሻ ብዝተለዓሉ ነጥቢታት መርሚሩ ትእዛዝ ንመሃብ ን17 መጋቢት 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

እቲ መጋባእያ ኣይተ ስብሓት ብውልቀ ሓኪም ንኽሕከሙ ዝተኣዘዘ ትእዛዝ ተፈፃሚ ንኽኸውን ኣዚዙ።

ኣይተ ኣባይ ወልዱ እውን ንሕማም ዓይኖም ብውልቀ ሓኪም ንኽሕከሙ ዘቕረቡዎ ስምዕታ ተቐቢሉ ትእዛዝ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.