Fana: At a Speed of Life!

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ወራር ኣብ ዝፈፀመሎም ከባቢታት ህዝቢ እናገበሮ ዝርከብ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ወራር ኣብ ዝፈፀመሎም ከባቢታት ህዝቢ እናገበሮ ዝርከብ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ወራር ኣብ ዝፈፀመሎም ዞባታት ዋግ ህምራ፣ ሰሜን ወሎን ደቡብ ወሎን፥ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንባዕሉ ብምውዳብ እቲ ወራሪ ሒዙዎም ዝነበሩ ከባቢታት ከም ብሓዱሽ ናብ ናይ ባዕሉ ቁፅፅር እናውዓለ ይርከብ ኢሉ እቲ ኣገልግሎት።

መንግስቲ ሕብረተሰብ እናገበሮ ዝርከብ ተጋድሎን ዘኹርዕ ተግባርን ከምዝድግፍ ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ሚኒስትር ዶር ለገሰ ቱሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብሪሆም።

ብኻሊእ መዳይ እቲ ግብረ ራዕዲ ምስ ሸኔ ጥምረት ብምፍጣር ዝገበሮ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምክልኻል ምስ ፍሉይ ሓይሊ፣ ፋኖ፣ ሚሊሻን ህዝቢን ብምዃን ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ ክሳራ በፂሑዎ ኣብ ከሚሴ ኣብ ከበባ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ተጠናኺ ከምዝቐፀለን ነዚ ድማ መናእሰይ ክልል ኦሮሚያን ሕብረተሰብን ዘርአዮ ምትሕብባር ምስጋና ኣቕሪቦም።

ዶክተር ለገሰ ኣብ መግለፂኦም፥ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ጦር መኮንናት ኤርትራ ዘውፀኦ ማዕቐብ ከም ብሓዱሽ ክሪኦ ይግባእ ኢሎም።

ሕብረተሰብ በቢከባቢኡ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብምንይችል ኣዘዘው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.