እቲ ዝተጀመረ መስርሕ ዲሞቢላይዜሽን ኣፈላላይ ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዘሎ ድልውነት ዘረጋግፅ እዩ -ብ/ጀነራል ደርቤ ሞኩርያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እቲ ዝተጀመረ ምፍታሕ ዕጥቂን ዳግመ ፅምበራን ነበር ተዋጋእቲ ክልል ትግራይ ኣፈላላይ ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዘሎ ድልውነት ዘረጋግፅ እዩ ክብሉ ምክትል ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ ሞኩርያ ገሊፆም።
እቲ ምፍታሕ ዕጥቂ ህልው ኩነታት ፀጥታ እቲ ክልል ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ድማ ኣብሪሆም።
ዕጥቆም ኣውሪዶም ናብ ማእኸላት መሰልጠኒ ዝኣትዉ ነበር ተዋጋእቲ፥ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ስሩዕ ምዝገባ ከምዝጅምሩን ዝወሃቦም ስልጠና እንትዛዝሙ ድማ ሒሳብ ባንኪ ከፊቶም ዝተሰለዐሎም በጀተሎም ገንዘብ ኣታዊ ከምዝግበረሎምን ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ ሞኩርያ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሎሚ ናብ ስሩዕ ሲቪላዊ ህይወቶም ካብ መንጎ ዝተሰናበቱ 75 ሽሕ ዕጡቓት ልዕሊ 12 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ዝገለፁ እቶም ምክትል ኮሚሽነር፥ በቢ መዓልቱ ድማ 320 ኣባላት ናብ ማእኸል ስልጠና ከምዝኣትው ኣብሪሆም።
እቶም ናብ ሲቪል ሂወቶም ዝምለሱ ተጋደልቲ ዝሓሸ ናብራ ንክህልዎም ከምዝስራሕ ሓቢሮም።
ተወካሊ ክትትልን ቁፅፅርን ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ሕብረት ኣፍሪካ ሜ/ጀነራል ስቴቨን ራዲና፥ እቲ ሐዚ ዘሎ ዲሞቢላይዜሽን ኣብ ካልኦት ዓድታት ዘሎ ጎንፂ ንምእላይ ንሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝነኣድ ተሞኩሮ ምዃኑ ገሊፆም።
እቶም ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ ሲቪላዊ ሂወቶም ዝፅንበሩ ዘለው ተጋደልቲ ዝግበረሎም ሞያውን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዓርሶም ተረባሕቲ ኮይኖም ኣብ ረብሓን ዕብየትን ዓዲ ንከውዕልዎ ክትትል የድልዮም ኢሎም።
ማእኸላት ስልጠና ዳግመ ፅምበራ ተመለስቲ ነበር ዕጡቓት ክልል ትግራይ፥ ኣብ መቐለ፣ ዕዳጋ ሓሙስን ዓድዋን ከምዝተዳለዉ ተሓቢሩ።