Fana: At a Speed of Life!

እቲ ኮሚሽን ንተመዛበልቲ ወገናት ሓገዝ ምግቢን ናውቲን ተበፃሒ ንምግባር እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓለፍቲ ስራሕ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን  ኮሚሽን መተሓባበሪ ምክልኻል ሓደጋ፣ ውሕስና ምግቢን ፍሉይ ድጋፍ ዘድልዮም ከባቢታትን ክልል ኣምሓራን ከተማ ደሴ ከተማ ዝተዓቖቡ ተመዛበልቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ጎብኒዮም።

ካብ ዞባ ሰሜን ወሎ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ከተማ ደሴ ተዓቑቦም ይርከቡ።

እቶም ተመዛበልቲ ህዝቢ ከተማ ደሴ እናገበረሎም ዝርከብ ሓገዝ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብወገን መንግስቲ ዘሎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ኣብ ቀፃሊ ብዘላቕነት ዝጣየሹሉ ምዕሩይ ኩነታት ክፍጠረሎም ከምዝግባእ እውን ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ ሓቲቶም።

ምክትል ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣይድሩስ ሓሰን፥ ከባቢኦም ናብ ሰላማዊ ኩነታት እንትምለስ ንብረቶም ዝዓነዎም ወገናት ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ብምውዳድ መሊስካ ንምጥያሽ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.