እቲ ቀጠና ብኣትሌቲክስ ጥራሕ ዘይኮነ ብፌስቲቫል ጥበባትን ባህሊን እውን ዝፍለጥ ክንገብሮ ኢና – ኣይተ ደመቀ መኮንን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እቲ ቀጠና ብኣትሌቲክስ ጥራሕ ዘይኮነ ብፌስቲቫል ጥበባትን ባህሊን እውን ዝፍለጥ ክንገብሮ ኢና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚነሲትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።
ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ካብ 7 ክሳብ 12 ሰነ 2014 ዓ.ም ዝፀንሕ ፌስቲቫል ባህሊን ጥበባትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሰናዲኡ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ፌስቲባል ባህሊን ጥበባትን ምብራቕ ኣፍሪካ ንሰላም እቲ ዞባን ምትእስሳር ህዝቢታት ንምጥንኻርን ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡
ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ዲፕሎማሲ ባህሊ ብዕቱብ ምስላጥ ከምዝግባእን ብወገን ወፃኢ ጉዳያት ቀንዲ ትኹረት ዝወሃቦ ማእኸል ትኹረት ጎረባብቲ ሃገራት መሰረት ዝገበረ ርክብ ምፍጣር ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
“እቲ ቀጠና ብኣትሌቲክስ ጥራሕ ዘይኮነ ብፌስቲቫል ጥበባትን ባህሊን እውን ዝፍለጥ ክንገብሮ ኢና” ዝበሉ ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ብሓባር ምልማዕ ምዕባለ ናይ ሓባር ዕዳጋ ምስፍሕፋሕ ንህዝቢታት እቲ ዞባ ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ እውን ካብ ሚኒስቴር ቱሪዝምን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።