Fana: At a Speed of Life!

እቲ ስምምዕ ሰላም ብዝተተለመሉ መገዲ ንክፍፀም መንግስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተፈጸመ ስምምዕነት ሰላም ብዝተተለመሉ መገዲ ንክኸይድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብ ዘለዉ ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ሓገዝ ይበፅሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ዝተለቐቑ ከባቢታት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ቀስብቐስ ይጅመር ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣገልግሎታት ንምጅማር ንክከኣል ብዕጡቓት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምፅጋን ምቹእ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ ኢሉ።

ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቆም ዝፈትሑሉ ዝርዝር ትልሚ ብዝምልከት ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣዛዚ ዕጡቓት ህወሓትን ኣብ ናይሮቢ ከምዝተላዘቡ ኣፍሊጡ።

በቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ዝተቐመጠ ግዘ ገደብ ዕጥቂ ዝፍተሐሉን ሰራዊት ምክካል ሃገር ናብ መቐለ ዝኣትወሉን ትልሚ ተስማዕሚዖም ኣለዉ ኢሉ።

እቲ ትልሚ ኣብ ቀፃሊ ተግባራዊ ከምዝግበር ድማ ገሊፁ።

እቲ ትልሚ ተግባራዊ ንምግባር ዝምልከቶም ኣካላት ኩሎም ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ትፅቢት ዝግበረሎም ክዋፅኡ ከምዝግባእ መንግስቲ ኣተሓሳሲቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.