Fana: At a Speed of Life!

እቲ ስምምዕነት ሰላም ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ብዘይ ኢድ ኣእታዊነት ግዳም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርኣየ ኢዩ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ብዘይ ኢድ ኣእታዊነት ግዳም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርኣየ ኢዩ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ብኣይተ ደመቀ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ጎስጓስ  ገለልተኛ ሃገራት  ይሳተፍ ኣሎ።

ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ጎስጓስ  ገለልተኛ ሃገራት ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ትፅቢት ዝግበረላ ኩሉ ፈፂማ ኢያ ኢሎም።

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ፥ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታት ብዘይ ኢድ ኣእታዊነት ግዳም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርኣየ ኢዩ ኢሎም።

መድረኽ ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲ፥ ፍትሓዊን ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተን መትከል ንክጠናኸር ኢትዮጵያ ከመእትሰርሕ እውን ተዛሬቦም።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ለዕሊ 100 ሃገራት ኣባል እቲ ጎስጓስ እንትኾና፥ ኣዘርባጃን ናይዚ እዋን ኣዶ መንበር ኢያ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.