Fana: At a Speed of Life!

እቲ ምምሕዳር ከተማ ብኢድ ጥበበኛታት ዝስርሑ ስራሕቲ ኢደ ጥበብ የበረታትዕ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኢድ ጥበበኛታት ዝስርሑ ስራሕቲ ኢደ ጥበብ ከምዘበረታትዕን ሓገዝ ከምዝገብርን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣፍረይቲን መፍረያይነትን ንምብርትታዕ ኣብ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር “ሞያ ኢትዮጵያ” ዑደት ገይሮም፡፡

ውፅኢታት ሸኽላን ማእለማን ናብ ወፃኢ ሃገር ዝለኣኽ ሞያ ኢትዮጵያ፥ ንብዙሓት ሰብ ሞያ ኢደ ጥበብ ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ሸርፊ ወፃኢ ከምፅእ ዝኸኣለ ማሕበር ከምዝኾነ ካብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.