Fana: At a Speed of Life!

እቲ መድረኽ ኣመራርሓን ኣባላትን ሃገራዊን ከተማዊን እዋናዊ ኩነታት ብዝግባእ ብምርዳእ ኣብ ቀፃሊ ንዝህልዉ ተልእኾታት ብብቕዓት ንምውፃእ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መድረኽ ሀንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓን ኣባላትን ወረዳን ጣቢያን እቶም ኣመራርሓን ኣባላትን ሃገራዊን ከተማዊን እዋናዊ ኩነታት ብዝግባእ ብምርዳእ ኣብ ቀፃሊ ንዝህልዉ ተልእኾታት ብብቕዓት ንምውፃእ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ንዝሓለፉ መዓልታት ዝተኻየደ መድረኽ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ብብርኪ ከተማ ብዘለዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ መብርሂ ተዋሂቡ።

እቲ መድረኽ ስልጠና “ምምራፅ-ተለዊጥካ ሃገር ንምልዋጥ” ኣብ ዝብል ሰነድ ዝተውሃበ ኢዩ።

ኣብ እዋን መረፃ ዝረኸብናዮ ሃገር ናይ ምምራሕ ዕደል በዝግባእ ብምጥቃም ሃገርን ህዝብን ብመንፅር ምግልጋል፣ ኣባልን ኣመራርሓን ብልፅግናን ሐዚ ዘሎ ኩነታት ግምገማ፣ በቒዕኻ ምዕቃእ ሰትራቴጂ፣ ጉዕዞ ፓርቲ ብልፅግናን ቀፃሊ ኣንፈትን ከምኡ ውን ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ለውጢ ኣብ ዝነበሩ ፈተናታትን ዕድላትን ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ።

ስለዝኾነ እቲ መድረኽ ኣመራርሓን ኣባላትን ሃገራዊን ከተማዊን እዋናዊ ኩነታት ብዝግባእ ብምርዳእ ኣብ ቀፃሊ ንዝህልዉ ተልእኾታት ብብቕዓት ንምውፃእ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.