Fana: At a Speed of Life!

እቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንልምዓት ኢንዱስትሪ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እቲ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንልምዓት ኢንዱስትሪ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪን ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ብሓባር ዘሰናደእዎ ሓበራዊ ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ዘተ፥ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብምእታው ዘልምዑን ንምልማዕ ባህጊ ዘለዎምን ሰብ ሃፍቲን ቁልፊ መዳርግቲ ኣካላትን ብቐጥታ ንምርኻብ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ካብ እዋን ናብ እዋን እናማዕበለ ምምፅኡ ዝተገለ እንትኸውን፥ ኣብቶም ፓርክታት ዝተዋፈሩ ቁፅሪ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ልዑል ኢዩ ተባሂሉ።

መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ሰብ ሃፍቲ ንምስሓብን ልምዓት ኢንዱስትሪን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

ብቅድስት ኣባተ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.