Fana: At a Speed of Life!

እቲ ሕብረት ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ማሕበር ልምዓት ገባሪ ሰናይ ክርስቲያን ኣብ ክልላት ኣምሓራንን ዓፋርን ብምኽንያት ኲናት ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ሸዋሮቢትን ደብረ ሲናን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ሰሙሮቢ ንዝርከቡ ወገናት ኢዩ ተዋሂቡ።

እቲ ኲናት ብዙሓት ዜጋታት ንፀገም ከምዘቃለዐ ዝገለፁ ኣካቢ እቲ ሕብረት ዶክተር ንጉሱ ለገሰ፥ እዚ ንምፍታሕ ድማ ጥንኩር ምትሕብባርን ምድግጋፍን የድሊ ኢሎም።

በቲ ኲናት ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት ንምሕጋዝ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎ 550 ካርቶን ዘይቲ ብልዒ፣ 11 ቦንዳ ኮቦርታ፣ ሓደ ሺሕን 116 ካርቶን ፓስታ፣ 260 ኩንታል ናይ ሕሩጭ ዳቦ ሓገዝ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.