Fana: At a Speed of Life!

እቲ ሃገራዊ ለውጢ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብቕኑዕ ኣንፈት ንክካየድ ገይሩ ኢዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፤ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እቲ ሃገራዊ ለውጢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘጋጠምዎ ፀገማት ብምእራም ህንፀቱ ብቕኑዕ ኣንፈት ንክካየድ ገይሩ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ሎሚ መዓልቲ እቲ ግድብ ህንፀት ምጅማሩ ዝተኣወጀሉ መበል 13 ዓመትን ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝተመስረተሉ 6ይ ዓመት ዝሕሰበሉን ዕለት ኢዩ” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ናብ ብራኸ ምዕባለ ንምስግጋር ትልሚ ብመሓዝ ‘ሀ’ ኢሉ ዝተሓንፀፀሉ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትርና ለውጢ ታሪኻዊ እምነ ኹናዕ ኣብ ፓርላማ ዝቐመጠ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ከምዛ ሎሚ ዕለት ነይሩ ኢሎም።

ረብሓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ተምሳሌትነቱን ተፈጥሮኣዊ ፍሰት ሩባን ንኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ንምውዓል ጥራሕ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ሃፍቲ ናሃለዋ ብድኽነት እናማሰነት ንእትርከብ ኣህጉር ኣፍሪካ ድኽነት ክትስዕር ከምዝከኣል ተስፋ ዝተሓንገጠ ናይዚ ክፍለ ዘመን ዓወት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያውያን ድማ ኣቦታትና ኣብ ዓወት ዓድዋ ኣፍሪካውያን ናፃ ንኽወፅኡ ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት ቃልሶም ትምህርቲ ከምዝሃቡዎ ማዕረ ንሕና ድማ ግድብ ህዳሰ ንድኽነት ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት ተቓሊስና ክንስዕሮ ከምንኽእል ዳግም ትምህርቲ ዝሃብናሉ ብምዃኑ ኮሪዕና ኢና ኢሎም።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝምራሕ ናይ ለውጢ መንግስቲ÷ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝገጠሙዎ ፀገማት ብቕልጡፍ ብምእራም ህንፀቱ ብትኽክለኛ ኣንፈት ንኽውገን ከምዝገበረ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብሪፎርም ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ እናተመርሐት ንዘመዝገበቶ ዕቤት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስጋና ይግበኦም ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.