እስራዔል ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዘለዋ ተመክሮ ነኢትዮጵያ ንምክፋል ባህጊ ከምዘለዋ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራዔል ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዘለዋ ተመክሮ ንኢትዮጵያ ንምክፋል ባህጊ ከምዘለዋ ገሊፃ።
ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣለልኝ ኣድማሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ኣካይደን።
ወይዘሮ ሙፈሪሃት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ አስራኤል ብዙሓት ውፅኢታት ስራሕቲ ንግዲ ዝወነነት፣ ልሹል ኢንቨስትመንት ዓለም ዘለዋን ንስራሕቲ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ምቹእ ምሕደራ ዘለዋን ኢያ ኢለን።
እታ ሃገር ብኣፀጋሚ ኩነታት ብምሕላፍ ልዑል ቁፅሪ ስእነት ስራሕ ንክቕንስ ከምዝገበረት ሓቢረን።
ስለዝኾነ ዝበለፁ ተመክሮታትን ልምዲታትን ብምውሳድ ፀገማትና ንምፍታሕን ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅን ክንሰረሕ ኢና ኢለን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።