Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ 9 ከተማታት ሊባኖስ ልዑል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ 9 ከተማታት ደቡባዊ ሊባኖስ ልዑል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ተገሊፁ።

አስራኤል፥ ኣብ ከተማታት ሁዎላ፣ ማርካቢ፣ ኣይታ ኣል ሻብ፣ ኪሃም፣ ሻኸን፣ ያሩን፣ ማይስ ኣል ጀበል፣ ኬፈርኬላን ቦር ኣል ሻማሊን ኢያ እቲ መጥቃዕቲ ፈፂማ።

እቲ መጥቃዕቲ ንሂዝቦላህ ንምድኻም ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ቀዳም ኣብ ጎቦታት ጎላን እስራኤል ካብ ሂዝቦላህ ተተኲሱ ዝተብሃለ መጥቃዕቲ ምሳኤል 12 ሰባት ምሟቶም ስዒቡ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ምፍዳይ ሕነ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ሂዝቦላህ ብግድኡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈፀመ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ጉዳይ ገለልተኛ ምርመራ ንክካየድ ከምዝሓተተ ዓረብ ኒውስ ፀብፂቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.