Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ጨንፈር ባንኪ ሊባኖስ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ንሂዝቦላህ ኣገልግሎት ይህባ ኢየን ኣብ ልዕሊ ዝበለተን  ጨንፈር ባንኪ ሊባኖስ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ፈፂማ።

እስራኤል ኣብ ባንክ ኣዲስ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ትሕቲ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝኾነ ጊዘ ብነፈርቲ ልዕሊ 24 መጥቃዕቲታት ከምዝፈፀመት ተገሊፁ።

ክልተ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቤሩት ከምዝተፈፀሙ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ተጓዓዝቲ ዘሳፈረት ኣውሮፕላን ትዓርፍ ከምዝነበረት ተሓቢሩ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ከምዝበሎ፥ ሎሚ መዓልቲ ዒላማ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዝተገበራ ባንኪታት ምንቅስቓሳት ሂዝቦላህ ብፋይናንስ ዝድግፋ ኢየን ተባሂሉ።

ኣል ቃርድ ኣል ሓሰን ዝብል ስያመ ዘለወን እተን ባንኪታት ንሂዝቦላህ መግዚኢ ኣፅዋር ኲናትን ንኣባላት ወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ጉጅለ ብቐጥታ ደገፍ እንትገብራ ነይረን ክብል ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.