Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ጎቦ ጎላን ሂዝቦላ ዘብፀሐላ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ሊባኖስ ደብዳብ ቦንብ ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ጎቦ ጎላን ሂዝቦላ ኣብፂሑለይ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ደብዳብ ቦንብ ከምዝፈፀመት ተገሊፁ።

ጦር እስራኤል ኣብ ማእኸላይ ዴር ኤል ባላ ኣብ ሆስፒታልን ንመዕቖቢን ኣብ ዘገልግል ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ብምፍናው 15 ህፃናት ሓዊሱ 30 ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ምኽንያት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ሂዝቦላህ ብእስራኤል ተታሒዙ ኣብ ዝርከብ ጎባ ጎላን ከተማ ማጅዳል ሻምስ፤ ሮኬት ብምትኳስ 12 መናእሰይ ማሕበረሰብ ድሩዝ ከምዝቐተለ ተመልኪቱ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ ጦር እስራኤል ኣብ ደቡብን ምብራቕን ሊባኖስ ዝርከባ መንደራትን ከተማታትን ብቦምቢ ደብዲቡ።

እስራኤል ንዝተፈፀመላ መጥቃዕቲ ንሂዝቦላ ተሓታቲ ትግበር እምበር ጉጅለ ሊባኖስ እቲ መጥቃዕቲ ሮኬት ሓላፈነት ከምዘይወሰደ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.