Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ወተሃደራዊ ትሕዝቶታት ኢራን መጥቃዕቲ ኣየር ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ወተሃደራዊ ትሕዝቶታት ኢራን መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈፀመት ኣፍሊጣ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል እቲ መጥቃዕቲ ኢራንን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝፈፀምዎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ካብ ለይቲ ጀሚሩ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ኣንፈታት ዋና ከተማ ምዕራብን ደቡብ ምዕራብን ኢራን ዝርከቡ ወተሃደራዊ ትካላት ናይቲ መጥቃዕቲ ዒላማታት ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀማ ኣውሮፕላናት እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ፈፂመን ብሰላም ከምዝተመለሳ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.