Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ናብ ፅዕነት ኣገልግሎት ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ምቕያር ከምትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ናብ ፅዕነት ኣገልግሎት ዝገብሮ ስራሕቲ ምቕያር ከምትድግፍ ኣፍሊጣ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ አየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፥ ምስ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣለልኝ ኣድማሱ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ እቲ መገዲ ኣየር ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ናብ ፅዕነት ኣገልግሎት ዝገብሮ ከይዲ ምቕያር ምድንፈሳዕ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ትኹረት ብምግባር ተመያይጦም፡፡

ኣምባሳደር ኣለልኝ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ “ማእኸልኢንደስትሪ ኤሮስፔስ” ብምኽፋት ተምሃሮ ኣብቲ ዓውዲ ንምስክጣን ትልሚ ከምዝሓዘ ተዛሪቦም፡፡

ኣይተ መስፍን ጣሰው ብግደኦም፥ 3ይ ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ናብ ፅዕነት ኣገልግሎት ናይ ምቕያር ከይዲ ብሕፅረት መገጣጠሚ ኣቑሑት ከምዝደጎየ ገሊፆም፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ “ኤሮስፔስ ኢንደስትሪ” እስራኤል ብምትሕበባር ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ናብ ፅዕነት ኣገልግሎት ቀይሩ ከምዝነበረ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.