Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ብገበን ኲናት ዝጥርጠሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንምምላስ ቃል ኣቲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍቢ ሲ)እስራኤል ገበን ኲናት ፈፂሞም ናብ ሃገራ ዝኣተዉ ውልቀ ሰባት ናብ ኢትዮጵያውያ ክምለሱ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብኣውሮፕላን ናብ እስራኤል ካብ ሞንጎ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ገበን ኲናት ፈፂሞም ከምዝተረኸቡ ምስተፈለጠ እስራኤል ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ምግላፃ ቻናል 13 ዝተብሃለ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ፀብፂቡ።

እስራኤል ነዚ ቅዋም ክትሕዝ ዝኸኣለት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ እስራኤል መዘነኦም ኣብቲ ጉዳይ ብስልኪ ድሕሪ ምዝርራቦም ከምዝኾነ እውን ኣብቲ ፀብፃብ ተሓቢሩ።

ቻናል 13 ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፈ ፍልፍል ድሕንነት ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ እስራኤል ካብ ሞንጎ ዝኣተዉ ልዕሊ 2 ሺሕ ሰባት ብውሑዱ 4 መኮንናት ኣብ ጭፍጨፋ ንፁሃን ዜጋታት ተሳቲፎም ኢዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ኢዮም።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሃገራ ካብ ሞንጎ ዝኣተዉ ስደተኛታት መብዛሕተኦም ሓቀኛ መንነት ንምፍላጥ ፀገም ከጋጥማ ከምዝኽእል እውን ተገሊፁ፡፡

ፍልፍል፡- ዘ ታይምስ ኦፍ እስራዔል

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.