Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣቭራሃም ንጉሴ ተዛቲዮም፡፡

ክልቲኦም ወገናት ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምጥንኻር ትኹረት ብምግባር ተመያይጦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲታት ምትሕብባር ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ስግግር ቴክኖሎጂን ከምዝተዛተዩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ እናተተግበረ ዝርከብ ሪፎርም ኢኮኖሚን ተግባራት ልምዓትን ብቴክኖሎጂ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት እቶም ኣምባሳደር ኣረጋጊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.