Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዎ ቅዋም ንኢዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ እስራኤል ዝቪ ሃውዘር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዎ ቅዋም ንኢዶም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እሰራኤል ረታ ኣለሙ ምስ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ እስራኤል ዝቪ ሃውዘር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም።

ኣምባሳደር ረታ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ዝወሰዶ ስጉምቲን ግብር ራዕዲ ህወሓት ከምዝነፀጎን ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ እቲ ግብረ ራዕዲ ንምበል ሳልሳይ እዋን ኲናት ከምዝኸፈተ ገሊፆም።

እስራኤል ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘብፅሖ መጠን ጉድኣት ብምግንዛብ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዝገበሮ ፃውዒት ከምዝድግፍ ዘለዎም እምነት ሓቢሮም።

 

ምክትል ኣፈ ጉባዔ ሃውዘር ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዎ ቅዋም ንኢዶም።

ኣብ ልዕሊ በቲ ግብረ ራዕዲ ዝተጀመረ ኲናት ብምውጋዝ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ከምዝድግፉ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.