Fana: At a Speed of Life!

እስራኤላውያን ንነዊሕን ኣፀጋሚን ኲናት ክሰናድኡ ኔታንያሁ ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ዜጋታት ንነዊሕን ኣፀጋሚን ኲናት ክሰናድኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ጦር እስራኤል ኣብ ጋዛ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሃማስ ዘካይዶ ወታደራዊ ስጉምቲ ካልኣይ ምዕራፍ ምጅማሩ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ኔታንያሁ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚቶም ንዘሎ ነዊሕ ቃልሲ ኣድላዪ ምድላው ከምዝገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ሃማስ እናተገበረ ዝርከብ ኲናት ካልኣይ ኲናት ናፅነት እታ ሃገር ከምዝኾነ ምግላፆም ኣርቲ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.