Fana: At a Speed of Life!

እሌኒ ገብረመድህን ደምቢታት ስነ-ምግባር ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ኣብ ዝጥሕስ ምንቅስቓስ ተሳቲፋ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዶክተር እሌኒ ገብረመድህን ዓለም ለኸ ደምቢታት ስነ-ምግባር ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ኣብ ዝጥሕስ ምንቅስቓስ ተሳቲፋ ኢያ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ፕሮግራም ልምዓት ብሓይ ሓላፍነት ዝረኸበት ዶክተር ኢሌኒ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ንምቕያር ኣብዝግበር ሽርሒ ብቕሉዕ ተፀምቢራ ኢያ ተባሂሉ።

ተሳትፎኣ ሕጊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዝጥሕስ መልክዑ እንትኸውን፥ ዓለም ለኸ ደምቢታት ስነ-ምግባር ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ዓንቀፅ 33 ዝፃረር ምንቅስቓስ ኢዩ።

ዓለም ለኸ ደምቢታት ስነ-ምግባር ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ፥ ምስ መንግስቲ ሰናይ ርክብ ንኽህሉ ካብዚ ተፃራሪ ዝኾይኑ ተግባራት ንባዕሎም ከርሕቑን ኣብ ፖሊሲ ሃገራት ወይ እውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ኢዶም ከየእትዉ ዝኽልክል ኢዩ።

ይኹን እምበር ዶክተር እሌኒ ነዚ ብዝትሕስ መልክዑ መንግስቲ ብሓይሊ ንምቕያር ኣብ ዝግበር ሽርሒ ተሳትፎ ገይራ ኢያ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.