ኤጀንሲ ደረጃታት ኢትዮጵያ 400 ፍርያታትን ናይ ኣገልግሎትን ደረጃዎታት ብብሔራዊ ቤት ምኽሪ ደረጃታ ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ደረጃታት ኢትዮጵያ ዘሰናደኦም 400 ፍርያታትን ናይ ኣገልግሎትን ደረጃዎታት ብብሔራዊ ቤት ምኽሪ ደረጃታ ከምዘፅቐ ኣፍሊጡ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር መሰረት በቀለ፥ እቲ ኤገጀንሲ ዘፅደቖም ደረጃታት ብዓውዲታት ምግቢን ሕርሻን፣ ጥዕና ከባቢ፣ ኬሚካልን ውፅኢታት ኬሚካልን፣ ኤሌክትሮ ኬሚካል ከምኡ እውን ብኮንስትራክሽንን ሲቪል ኢንጂነሪንግን ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡
እቶም ዝፀደቑ ደረጃታት ኣብ መበል 33ን 34 ጉባኤ እቲ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ እንትኸውን፥ ኣብቲ ኣኼባ ብሓሙሽተ ዘፈራት ተሰናዲኦም ዝቐረቡ 400 ደረጃታ ከምዝፀደቑ ተሓቢሩ፡፡
ደረጃዎቹ ሲዘጋጁ አስፈላጊው ጥናትና ዳሰሳ የተደረገባቸው መሆኑን የገለጹት ዋና ዳይሬክተሯ÷ ለምክር ቤቱ ከቀረቡት 69 አዲስ ፣ 125 የተከለሱ እና 206 በማስቀጠል የፀደቁ ደረጃዎች መሆናቸውን አንስተዋል
እቶም ደረጃታት እንትሰናድኡ ኣድላዪ ዳህሳስ መፅናዕቲ ከምዝተገበረሎም ዝገለፃ እተን ዳይሬክተር፥ በቲ ቤት ምኽሪ ዝፀደቑ ደረጃታት፤ እቶም 69 ሓደሽቲ፣ 125 ዝተኸለሱን 206 ክቕፅሉ ብምግባር ዝፀደቑ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።
ብኣለምሰገድ ኣሳየ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።