Fana: At a Speed of Life!

ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።

ኣብ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ እቲ ኤክስፖ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርነ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ንዘለዎም ኣፍረይቲ ኢንድስትሪታት፣ ክልላትን ሰብ ሃፍቲን ኣፍልጦ ሂቦም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ “ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈረየ” ዝብል ፍርያት ብበዝሒን ፅሬትን ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘቕርበሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ናይ ምቕዳም መሪሕ ሓሳብ ንዘበናት ዝተዘመረሉ ይኹን እምበር ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብተግባር ከምዝተተግበረ ኣብሪሆም።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል÷ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ በቢዓመቱ ዝሐሸ ብምግባር ናብ ዓለም ለኸ ኤክስፖ ንምዕባይ ናይ ቀረባ ክትትል መንግስቲ ከምዘድልዮ ፀሪሖም።

እቲ ኤክስፖ÷ ካብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት እናተኻየደ ምፅንሑ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ሃገር ለኸ ኤክስፖ መሪቖም ምኽፋቶም ይዝከር።

ኣብቲ ኤክስፖ 124 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ፍርያቶምን ኣገልግሎቶምን ከምዘቕረቡ ተገሊፁ።

ብፈትያ ኣብደላ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.