Fana: At a Speed of Life!

ኤች ኣር 6600 ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ  ዴቪድ ሳተርፊልድ ተዛቲዮም።

መንግስቲ፥ ሰብኣዊ ትካላት ንተጎዳእቲ ደገፍ ዝኸውን ናብ ትግራይ ንክወስዱ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ዘለዎ ቁርፀኝነት ገሊፆም።

ኣብ ሰብኣዊ ኣቕርቦት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምትዕንቓፍ ምፍጣሩን እቲ ጉጅለ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዝፍፅሞ ዘሎ ፅሕተራ ብዝምልከት ኣብሪሆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ረቂቕ ሕጊ ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣሜሪካ ኣብ ኢትየጵያ ሰላምን ዴሞክራስን ንክነግስ ክትሕግዝ እንበር ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ ድኽነት ዘሎ ማሕበረሰብ ዝጎድእ ረቂቕ ሕጊ ክተፅድቕ ኢያ ዝብል እምነት ኣይብለይን እውን ኢሎም።

መንግስቲ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምንጋስ ዝወሰዶም ምምሕያሻት ብዝምልከት እውን ኣይተ ደመቀ ኣብሪሆም።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ብግደኦም፥ መንግስቲ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምንጋስ ዝወሰዶም ምምሕያሻት ኣሜሪካ ከምእትንእድ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.