ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ 3 ን2 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታድዮም ባህርዳር ዝተኻደ ፀወታ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርተራ ተዛዚሙ።
ፀወታ ቅድሚ ዕረፍ ብዘይ ሽቶ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 3 ሽቶታት ዘመዝገበን ብሸቶ ነቲ ውድድር ዝመርሖ ዘሎን ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓሊ ሱሌማን ኣብ መበል 81 ደቒቕ ብፀጋሙ ዝቐልዓ ኩዕሶ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መሪሕነት ከተትሕዛ እንከላ ንዕኡ ኸኣ ኣብዚ ውድድር ራባዓይቲ ሽትኡ ኮይናትሉ።
ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ፀወታ ቅድሚ ምውድኡ ሸቶ ንምምዝጋብ ኣብ ዝገበርዎ ፃዕሪ ኣብ መበል 90 ደቒቕ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ናሲር ሸቶ ኣመዝጊቡ ፀወታ ሓደ ብሓደ ብምዝዛሙ ብዘይ ተወሳኺ ግዜ ናብ ፍፁም ቅላዕ ኣምሪሐን ኢየን።
ስለዝኾነ ኣብ ፍፁም ቅላዕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 3 ብ2 ብምዕዋታ ካብ ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪኦኣብሊክ ኮንጎን ዝስዓረት ንሓሙሻይ ደረጃ ክትፃወት እያ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።