Fana: At a Speed of Life!

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ 141 ተቃላዕቲ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊሱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ 141 ተቃላዕቲ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰ ኣፍሊጡ።

እቶም ስደተኛታት ሓደገኛ ብዝኾነ ኩነታት በዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪት ጃልባ ናብ የመን እናተጓዓዙ ከምዝነበረ እቲ ኤምባሲ ገሊፁ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጠረፋማ ክፋል ባሕሪ ጎዶሪያ ጂቡቲ ነቶም ፍልሰተኛታት ምድሓን ከምተኸኣለ ተሓቢሩ።

ምስዚ ተተሓሒዡ ክልተ ውልቀ ሰባት ብዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ተገሊፁ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ምስ ዓለም ለኸ ቢሮ ፍልሰተኛታት ብምትሕብባር ትማሊ 160 ተቃላዕቲ ፍልሰተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.