Fana: At a Speed of Life!

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ጅቡቲ ኣደባባይ ዶልፊን ካልኣይ ዙር ተኸላ ፈልሲ ተኻይዱ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብነታዊ ርክብ ምጣነ ሃብቲ ዘለዎን ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብሓምላዋይ ልምዓት እውን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብሓባር እናሰርሓ ከምዝርከባ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቅድም ክብል ከንቲባ ከተማ ጅቡቲን ምክትል መራሒ እቲ ሚሲዮንን ኣብ ዝተረኸቡሉ ካብቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ዓሌት ካስያ ካብ ሞንጎ ዘለዎም ነቶም ክፀድቁ ዘይከኣሉ ብምትካእን ሓደሽቲ ቦታታት ፈልሲ ብምድላውን ስራሕቲ ልምዓት ክካየድ ተኻኢሉ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ክልተ ዙር ልዕሊ 100 ሽሕ ፈልስታት ንጅቡቲ ምርካብ ዝተኽኣለ እንትኸውን÷ ኣብ ቀፃሊ ብመሰረት ሕቶ መንግስቲ ጅቡቲ ተወሰኽቲ 40 ሺሕ ፈልስታት ናብታ ሃገር ከምዝለኣኽ ተሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.