Fana: At a Speed of Life!

ኤምባሲታት ተደማፅነት ኢትዮጵያ ንክውስኽ ንምግባር ምስራሕ ይግበኦም-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲታት ተደማፅነት ኢትዮጵያ ንክውስኽ ንምግባር ምስራሕ ይግበኦም መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ተዛሪቦም።

ኣይተ ደመቀ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመ ዓመታዊ ጉባኤ ኣምባሳደራት በምርካብ ናይ ስራሕ መምርሒ ሂቦም።

ኣድማስ ኤምባሲታት ክብ ብምባል ተደላይነት፣ ተበፃሕነትን ተደማፅነትን  ኢትዮጵያ ንክውስኽ ንምግባር ምስራሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ምስ ሃገራት ዘለና ክልቲኣዊ ርክብ ንክጠናኸረን ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲ ንክሰፍሕን ብምግባር ብሄራዊ ረብሓ ምርግጋፅ ይግባእ ምባሎም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ጉባኤ ምዝዛሙ ስዒቡ መግለፂ ዝሃቡ ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም(ዶ/ር) ብግደኦም፥ ዲፕሎማሲ9 ኢኮኖሚ ኣስኳል ቀፃሊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ዝህልዋ መትከል ርክብ ኣብ ብሄራዊ ረብሓ፣ ምክብባርን ሽርክናን መሰረት ዝገበረ ከምዝኸውን ገሊፆም።

ብበረከት ተካልኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.