ኤሎን መስክ ምፍንጃር መኪና ሳይበር ቴስላ ተግባር ግብረ ራዕዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መእተዊ ኣፍደገ ትራምፕ ሆቴል ላስ ቬጋስ ዘጋጠመ ምፍንጃር መኪና ሳይበር ቴስላ ተግባር ግብረ ራዕዲ ክኸውን ከምዝኽእል ፍሉጥ በዓል ሃፍቲ ኤሎን መስክ ገሊፁ።
ትማሊ ናይ ተመራፂ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንብረት ኣብ ዝኾነ ላስ ቬጋስ ኣብ ዝርገብ መእተዊ ኣፍደገ ትራምፕ ሆቴል ብዘጋጠመ ምፍንጃር መኪና ሓደ ሰብ ህይወቱ እንትሓልፍ ካልኦት ሸውዓተ ሰባት ድማ ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ኢዩ።
ነዚ ስዒቡ ዋና ኣፈፃሚ ኩባኒያ ቴስላ ኤሎን መስክ እቲ ሓደጋ ኣብ ኒው ኣርሊያንስ ሓደጋ መኪናን ኣብ ኒው ዮርክ ምስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ መጅሙዕ ተዂሲን ዝተዛመደ ተግባር ግብረ ራዕዲ ክኸወን ይኽእል ኢዩ ኢሎም።
መበገሲ እቲ ፍንጀራ እቲ መኪና ኢዩ ዝብል ሓሳብ እውን ተቓዊሞም።
እቲ ተሽከርካሪ ኣብቲ እዋን ምንም ዓይነት ፀገም ከምዘይነበሮ ተዛሪቦም ክብል ኣርቲ ፀብፂቡ።