Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ፅንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ኢንቨስትመንት ምድንፋዕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ኣፍሪካ ፅንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ትገብሮ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ኢንቨስትመንት ምድንፋዕ ከምዝግባእ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ።

ኮሚሽነር ሕርሻ፣ ልምዓት ገፀር፣ ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ልምዓት እቲ ሕብረት ኣምባሳደር ጆሴፋ ሳኮ÷ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝካየድ ኣህጉራዊ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂም ድማ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ኣፍሪካ ልዑል ፅዕንቶ እናብፀሐ ከምዝርከብን ካብዚ ዝተልዓለ ኣፍሪካውያን ንዝተፈላለዩ ፀገማት ከምዝተቓልዑን ኣብሪሆም፡፡

እዚ ንምምካት ሕብረት ኣፍሪካን ኣባል ሃገራትን ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

ሃገራት ኣፍሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣብቲ ዓውዲ ዝግበሩዎ ኢንቨስትመንት ካብ ሓፈሻዊ በጀቶም ብማእኸላይ 2 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር÷ እቲፀገም ብግቡእ ብንፍታሕ እቲ በጀት ብውሑዱ 10 ሚኢታዊ ክበፅሕ ከምዝግባእ ኣገብዚቦም።

መበል 35 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 29 ነሓሰ ክሳብ 1 ጳጉሜን 2015 ዓ.ም ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ከምዝካየድ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.