Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ኣብ ጥዕናን ምግቢን ዘለዉዋ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ተግባራት ተሳልጥ ኣላ – ሙሳ ፋኪ መሃመት

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ኣብ ጥዕናን ምግቢን ዘለዉዋ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ተግባራት እናሳለጠት ከምዝኾነት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃመት ገሊፆም።

መበል 42 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃመት÷ ኣብ ቱርኪን ሶሪያን ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ሓዘኖም ብምግላፅ እቲ ኣኼባ ኣጀሚሮምዎ።

ኣፍሪካ ጥዕናን ስነ-ምግቢን ቁልፊ ተግባራት እቲ ሕብረት ገይራ እናሰርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም።

ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካን ኤጀንሲ ኣፋውስ ኣፍሪካን ምጥያሾም÷ እዚ ፃዕሪ ንምዕዋት ኢሉ እውን ካብ ፅግዕተኝነት ንምንጋፍ ከምዘኽእላ ኣብሪሆም።

ሃገራ ኣብ ሓለዋ ጥዕናን ብስነ-ምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪን ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብመዳይ ኢኮኖሚ ዕድጊት ንግዲ ኣፍሪካ ንምክያድ ድማ ትግበራ ናፃ ኣህጉራዊ ንግዲ ቀጠና ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

“ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስትመንት ንምስፍሕፋሕ፣ ዘለዉዋ ሃፍቲ ፀንቂቓ ንምጥቃም፣ ዲጂታላይዜሽን ንምቅልጣፍ፣ ስግግር ፍልጠት ንምፍጣር ብዕቱብ ክስራሕ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ መዳይ ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕንነትን ድማ ብማዕቐፍ “ኣፈሪካዊ ፀገማት ብኣፍሪካዊ መፍትሒ” ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራ ኣፍሪካ፤ ብመሪሕነት እቲ ሕብረት ሰላም ናይ ምርግጋፅ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ እቶም ፀገማት ክበኣኣሱ እምበር መፍትሒ ከምዘይኸውን ዝገለፁ እቶም ኣቦ መንበር÷ ኣብ ሱዳን፣ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ሊቢያ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ሶማሊያ፣ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዘጋጠሙ ፀገማት ሰላም ንኽፍትሑ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ብድርድርን ካልኦት ኣማራፂታትን ወሳኒ ግደ ከምዘተፃወተ ተዛሪቦም።

ሕብረት ኣፍሪካ ዝገብሮም ፃዕሪታት ንኽዕወቱ÷ ኣባል ሃገራትን መሓዙት ኣካላትን ሓገዞም ንኸጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ዓለም ለኸ ፖለቲካ÷ ኣፍሪካ ኣብ ምክብባርን ሓበራዊ ተረባሕነትን ዝተመርኮሰ በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባራት ከምተጠናኽር ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.