Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ንስልጣነ ዓለም ብዘበርከተቶ ልክዕ ተረባሒት ኣይኮነትን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ንስልጣነ ዓለም ብዘበርከተቶ ልክዕ ተረባሒት ኣይኮነትን ከብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣፍሪካ ጥንታዊ ስልጣነን ህዝብን ዝተረኸበላ ኢያ ኢሎም።

ንስልጣነ ዓለም ግደኣ ኣበርኪታ ኢያ ብምባል፥ ይኹን እንበር ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣንፈታት ተቐይሩ ብስልጣነ ምዕራባውያን ብምትካእ ኣፍሪካ ኣልቦ ስልጣነ ከምዝኾነት ኣገንዚቦም።

ኣፍቲካ ንቕድሚት ንምውሳድ ሓቅነት ኣፍሪካ ምግላፅ ከምዘድሊ ብምሕባር፥ ድኽነትን ጎንፅን መግለፂኣ ምዃን ኣይምጥናን ኢሎም።

ነዚ ድማ ትምህርቲ ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሮም።

ስርዓተ ትምህርትና ንኣፍሪካ ብዝምጥን መገዲ ምግራሕ ከምዝግባእ እውን ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.