Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምግታእ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ዓለም ለኸ ማሕረሰብ ብገንዘብ ክሕግዝ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣፍሪካ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምግታእ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ዓለም ለኸ ማሕረሰብ ብገንዘብ ንኽሕግዝ ፀዊዖም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ንምልከቶም ዓለም ለኸ ተዋሳእቲ ኣካላት መልእኽቶም ዘመሓላለፉ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ቢዝነስ ኣፍሪካ 2023 ኢዩ፡፡

እቶም ሚኒስትር÷ ፎረም ቢዝነስ ኣፍሪካ ንኣፍሪካ ስትራቴጂያዊ ረብሓ ዘለዎም ዛዕባታት ንዝምልከቶም ዓለም ለኸ ተዋሳእቲ ኣካላት ንኽበፅሕ ከምዝሓገዘ ኣብሪሆም፡፡

“ኣፍሪካ ዋላ እኳ ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር ዘለዋ ብፅሒት ኣብዚ እቶ ዝበሃል እንትኾነ፥ ጉድኣቱ ግን ካብ ካልኦት ኣህጉራት ብዝዓበየ መልክዑ እናበፅሓ ይርከብ” ክብሉ ኣተሓሳሳባይነት እቲ ኩነታት ኣልዒሎም፡፡

እታ ኣህጉር ምልቃቕ በካሊ ክትንኪ ትኽእለሎም ሓደሽቲ ሜላታት ክትሕንፅፅ ከምዝግባእን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝሕደስ ኣማራፂ ሓይሊ ንምድንፋዕ ተሊመን ክንቀሳቐሳ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ትልሚ ልምዓት ሃገራት ኣፍሪካ፥ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2063 ምስ ዝሓዞን ምስ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት 2030 ጎድና ጎድኒ ንክኸይድ ሓቲቶም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ 10 ዓመታት ትልሚ ልምዓታ ብለውጢ ንብረት ኣየር ዘይብዳህ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣብቲ ፎረሙ ኣብሪሆም።

ክሳብ 2050 ኢትዮጵያ ካብ ምልቃቕ ካርበን ናፃ ዝኾነት ሃገር ንምግባር ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ ከምዝተትሓዘ እውን ኣመልኪቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.