ኣፍሪካ ህዝቢ ተጠቃሚ ኣብ ዝገብርን እቶት ኣብ ዘርክብን ዝሕደስ ሓይሊ ክትሰርሕ ኣለዋ – ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ህዝቢ ተጠቃሚ ኣብ ዝገብርን እቶት ኣብ ዘርክብን ዝሕደስ ሓይሊ ክትሰርሕ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኬኒያ ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ከምዝተዛረቡዎ÷ ኣፍሪካ ድርድር ንብረት ኣየር ኣፍሪካ ንምቕያር ዘለዋ ዕድል ክትጥቀም ኣለዋ።
ኣብ ንብረት ዝድሀበ ልዝብ ብብርኪ ዓለም ለኸ ምክያድ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሳላሳ ዓመት ይኹን እምበር ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ዛዕባ ንምዝታይ ኣህጉራዊ ኣኼባ እንትገብራ እዚ ጉባኤ ፈላማይ ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣካል ማዕቐፍ ክሌማዊ ለውቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝኾኑ ከም ጉጅለ ተደራደርቲ ኣፍሪካን ኣባል ጉጅለ 77 ዝኾኑ ዞባዊ ጉጅለታታ ኣቢላ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ስግኣታ ምግላፃ ኣልዒሎም።
ብሓፈሻ ካብ ዝልቀቕ በካጋዝ በዚሑ እንተተባሂሉ ኣርባዕተ ሚኢታዊ ጥራሕ ካብ ኣፍሪካ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ልዑል መጠን ዘለዎ በካሊ ጋዝ ብዝለቃ ሃገራት ኣቢሉ ተጠቃዕቲ ንዝኾና ሃገራት ካሕሳ ንመሃብ ዝኣተወኦ ቃል ፍትሓዊ ብዘይኮነ ኣግባብ ንደሓር እናተብሃላ ከምዝኾና ገሊፆም፡፡
ኣፍሪካ ምስ ንብረት ኣየር ተተሓሒዙ ዝህልዋ መስተጋብር ግዘ እንተይተውሃ ምቕያርን ምምሐያሽን ከምዝግበኦም ሩቶ ተዛሪቦም፡፡
“ንንብረት ኣየር ዘድሊ እኹል ገንዘባዊ ዓቕሚ ከምዘይብልና ብግልፂ ንርዳእ ኢና” ዝበሉ ፕሬዚዳንት ሩቶ÷ ይኹን እመበር ኣዎንታዊ ለውጢ ከምፅኡ ካብ ዝኽእሉ ሓቂታት ፍሒት ኣይንብልን ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
ክሌማዊ ለውጢ ረቂቕ ፅንሰ-ሓሳብ ዘይኮነስ ብሳይንስ ዝተረጋገፀን ብተግባር እውን ዝተርኣየ ብምዃኑ÷ ኣብቲ ጉባኤ ፀገማት ንምዝርዛር ዘይኮነስ ኣብ መፍትሒ ሓሳብ ምዝታይ ከምዘድሊ ምግላፆም ዘ ኢስት ኣፍሪካን ፀብፂቡ፡፡
ኣፍሪካ ካብ እታ ኣህጉር ወፃእ ዘለዎ ካልኦት ህዝቢታት ተጠቀምቲ ዝገብርን ናይ ልምዓት እቶት ክእክብ ኣብ ዝኽእልን ዝሕደስ ሓይሊ ክትጥቀም ከምዘለዋ እውን ኣገንዚቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com