Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካውያን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ምባሎም ንፓን ኣፍሪካኒዝም ዳግመ ውልደት በሪ ዝኸፍት ኢዩ – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካውያን “ኢትዮጵያ እናተዋግአት ትርከብ ናይ ኣፍሪካ ካናት ኢዩ” ብምባል ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ምባሎም ንፓን ኣፍሪካኒዝም ዳግመ ውልደት በሪ ዝኸፍት ከምዝኾነ ሙሁራን ገሊፆም።

እቶም ሙሁራን ከምዝገለፁዎ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣፍሪካውያንን ንፀለምቲ ህዝቢታትን ዘቕረቡዎ ፃውዒት እዋኑ ዝሓለወን ግቡእን ኢዩ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተማራማሪ ማእኸል ምርምር ኣፍሪካን እስያን ዶክተር ሳሙኤል ተፈራ፥ ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ዝብል ጥንኩር መንግስቲ ምምስራቱ፣ ካብ ድርድር ግድብ ህዳሰ ክሰሳብ መረፃ ዝተኻየደሉ መገዲ፣ ተለኣኣኺ መንግስቲ ድሌት ምዕራባውያን ምፍሻሉ፣ ምዕራባውያን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኣፍሪካ ክሪኡዎ ዝደልዩ ነገር ብምግጫዉ ናይ ውክልና ኲናት ንኽኸፍቱ ከምዝገበሮም ገሊፆም፡፡

ተመራማሪ ጉዳያት ኣፍሪካ ዶክተር ብርሃኑ ሌንጂሶ ብግደኦም፥ “ኢትዮጵያ እናተዋግአት ትርከብ ናይ ኣፍሪካ ካናት ኢዩ” ብዝብል ሓሳብ ምንቅስቓስ ኣፍሪካዊነት ሓቃውነቱ ዝቐልዐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ዶክተር ብርሃኑ ኣብ መብሪሂኦም፥ ኢትዮጵያ ምስዓራ ናይ ኣፍሪካን ፀለምቲ ህዝቢታትን ምስዓር ተገይሩ ከምዝቑፀር ገሊፆም፡፡

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ሙሁራን፥ ዕድል ኣብ ውሽጢ ፈተና ከምዝውለድ ብምሕባር፤ እዚ እዋን ንዳግመ ልደት ፓን ኣፍሪካኒዝም ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ዝቑፀር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.