ኣፍሪካን ላቲን ኣሜሪካን ድምፀን ንክስማዕ ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ዝሓሸ ውክልና ክህልወን ይግባር -ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካን ላቲን ኣሜሪካን ድምፀን ንክስማዕ ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ዝሓሸ ውክልና ክህልወን ይግባር ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ካብ 9 ክሳብ 12 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ዓለም ለኸ ፎረም ፓርቲታት ፖለቲካ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ይሳተፍ ኣሎ።
እቲ ፎረም፥ ““ዎርልድ ማጆሪቲ ፎር መልቲፖላር ኦርደር” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣይተ ኣደም፥ ኣፍሪካን ላቲን ኣሜሪካን ድምፀን ንክስማዕ ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ዝሓሸ ውክልና ክህልወን ይግባር ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ብሪክስ ሓዱሽ ናይ ዓለም ስርዓት ንምህናፅ ከምዘኽእል ሓቢሮም።
ፓርቲ ብልፅግና ብሪክስ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዎ ዓቕሚ ይግንዘብ ኢዩ ብምባል፥ ነዚ እውን ፓርቲ ብልፅግና ብሪክስ ይሰርሖ ንዘሎ ከምዝኽተል ገሊፆም።
ኣብ ሩሲያ ከተማ ቪላዲቮስቶክ ዝተሰናድአ ዓለም ለኸ ፎረም ፓርቲታት ፖለቲካ ዝበለፀ ሓገዝ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።