ኣፍረይቲ እታዎታት ሕርሻ ሩሲያ ፍሪያት ኣፍሪካ ክብ ንምባል ደገፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ እታዎታት ሕርሻ ሩሲያ ፍሪያት ሃገራት ኣፍሪካ ክብ ንምባል ደገፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም።
ኣብ መበል ካልኣይ ጉባኤ ኢኮኖሚን ሰብኣዊ ጉዳያትን ‘’ምትሕብባር ሩሲያ ኣፍሪካ ንፍሪያት ሕርሻ’’ በዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ተወከልቲ ዓውዲ ሕርሻ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ተወከልቲ ባንኪ ሕርሻ ሩሲያን ሓለፍቲ ትካላትን ብምርካብ ተዛቲዮም።
ተወካሊ ባንኪ ሕርሻ ሩሲያ ኦሌግ ኦዜሮቭ÷ ሩሲያን ኣፍሪካን ኣብ ዓውዲ ግብርና ምትሕብባር ዝኽእላሉ ብዙሓት መገዲታት ከምዘለዉ ገሊፆም።
ነዚ ንምሕጋዝ እቲ ባንኪ ድልው ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ንኣፍረይቲ እታዎታት ሕርሻ እውን ዘበናዊ መሳርሒታትን ዘመናዊ ድኹዒን ብዝተመጣጠነ ዋጋ ከምዘቕርብ ገሊፆም።
ብወንደሰን ኣረጋኸኝ