Fana: At a Speed of Life!

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ብፅሒት ሃገራዊ ኢኮኖሚ ንምድንፋዕ ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ መላኩ ኣለበል

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ብፅሒት ሃገራዊ ኢኮኖሚ ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ሰበታ ዝርከብ ውዳ ሜታልስ ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ምስ ሓለፍቲ ኣፍረይቲ ኢንዱሰትሪታት እውን ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ መላኩ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ መንግስቲ ተመሳሰልቲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ብምድጋፍ ብፅሒት ሃገራዊ ኢኮኖሚ እቲ ዓውዲ ክብ ንምባል ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣጀሚሩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዘጋጥሞም ፀገም ንምፍታሕ እውን ፖሊሲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ብምምሕያሽ መፈፀሚ ስትራቴጂታት እናተሰናድኡ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.