Fana: At a Speed of Life!

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሚኒስቴራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሚኒስቴራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዕዉት መገዲ ብምዝዛሙ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ መሰረት ህልውናና ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሕልኽልኽ ዝበሉ ፀገማት ብምሕላፍ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ብዕዉት ኩነታት ብምዝዛሙ ንመላእ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

“እዚ ድማ ንሕና ኢትዮጵያውያን ብሓድነት ደው እንትንብል ዘይንምክቶን ዘይንሳገሮን ዕንቅፋት ከምዘይህሉ ዘርኣናሉ መግለፂ ፅንዓትናን ጥንካረናን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ መንግስቲ ብኽብሪን ረብሓን ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘይደራደር ከምዝኾነ ቤት ምኽሪና ይግንዘብ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ህንፀት እቲ ግድብ ክሳብ ዝዛዘምን ናይ መወዳእታ ሪቫን ክሳብ ዝቑረፅን ብዝተጀመረ ሃገራዊ ምንቕቓሕ ዝግበሩ ድጋፋት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ብስም እቲ ቤት ምኽሪን ብስሞምን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኢንጂነር ኣብረሃም በላይ ብግደኦም፥ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ብምዝዛሙ  “እንኳዕ ደስ በለና” ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዶክተር ኢንጂነር ኣብረሃም፥ እቲ ግድብ ኣብ መንጎ ሃገራት ዕድል ምትሕብባርን ምትእምማንን እንተሊዩ ተኣምራዊ ለውጢ ምምፃእ ከምዝከኣል ዘገንዘበ ቅድመ ሐዚ ዘይነበረ ኣድማስ ዘተ ዘፋልጥ ሓዱሽ ታሪክ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ገንዘቦም፣ ጉልበቶምን ፍልጠቶምን ብዘይስስዐ ብምብርካት ኣብ ዕድጊት ቦንድን ልገሳን ንዝተሳተፉን ዝሳተፉ ዘለዉን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘለዉ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣኒስቲዮ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ ካብ ንጉሳዊ እዋን ጀሚሩ ደሓር እውን ብትውልዲ ቅብብል ነቲ ፕሮጀክት ደፊሮም ዝጀመሩ መራሕቲ፣  ሐዚ እውን ፅዕንቶታት ተሸኪሞም ይሰርሑ ንዘለዉ ላዕለዎት ፖለቲካዊ መራሕቲ፣ ዲፕሎማታት፣ ተደራደርቲ፣ ሚዲያታትን ኣመራርሓ እቲ ፕሮጀክትን አመስጊኖም።

ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ግድብ ካብ ውሽጢ ይኹን ግዳም ክበፅሕ ንዝኽእል ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ንምምካት ለይቲን ቀትሪን ብዘይዕረፍቲ ንዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ዘለዎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብተመሳሳሊ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል፣ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን፥ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዓወት ብምዝዛሙ ዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላፅ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.