ኣፈፃፅማ ስራሕ መንፈቕ ዓመት ፓርቲ ብልፅግና ገምጋም ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ መንፈቕ ዓመት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ምክያድ ጀሚሩ።
ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ መድረኽ፤ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኩነታት ፖለቲካ፣ ህንፀት ጥንኩር ፓርቲ ንምዕዋትን ፓርቲን መንግስቲን ብምውዳድ ዝሰርሑ ኣጀንዳታት ግምገማ ከምዝግበር ተገሊፁ፡፡
ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓረቲ ኣደም ፋራህ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፤ ስሩዕ ስራሕቲ ፓርቲ፣ ግብረ መልሲ ኮሚሽን ኢንስፔክሽንን ስነ-ምግባርን ከምኡ እውን በቢክልሉ ዘለዉ ዝንባለታት ፖለቲካ ግምገማ ከምዝግበር ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ውሳነታትን ኣንፈታትን ካልኣይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግናን በቢብርኩ ዝተገበሩ ልዝባት ኣፈፃፅመኦም ብዝምልከት ልዝብ ከምዝግበር እውን ሓቢሮም፡፡
ፓርቲን መንግስቲን ብምውዳድ ዝስርሑ ስራሕቲ ጎስጓስ ኣፈፃፅመኦም ከምዝግምገም ምግላፁ ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ፈጠራ ዕድል ስራሕ ከምኡ እውን ምስ ምኽባር ናብራ ተተሓሒዙ ፀገማት ንምፍታሕ ዝውገኑ ስራሕቲን ካብ ተሓጋዛይነት ንምንጋፍን እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራት ዝርከቡሉ ደረጃ ብስፍሓት ከምዝግምገም ኣይተ ኣደም ኣብሪሆም፡፡