Fana: At a Speed of Life!

ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላምን ኣብ ትግራይ ግዚያዊ ምምሕዳር ምጥያሹን ዝነኣድ ኢዩ – ኣምባሳደር ክሪስቶፍ ሬዝላፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላምን ኣብ ትግራይ ግዚያዊ ምምሕዳር ምጥያሹን ዝነኣድ ከምዝኾነ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣምባሳደር ክሪስቶፍ ሬዝላፍ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣምባሳደር ክሪስቶፍ ሬዝላፍ ተዛቲዮም፡፡

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገብሩ ኣብ ዘተኦም ከምዝተገለፀ እውን ተሓቢሩ፡፡

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዑደት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራቱ ዘሎ ዲፕሎማሲዊ ርክብ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽሮ ኣምባሳደር ምስጋኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ሰለም ብፅቡቕ ኩነታት እናተፈፀመ ብምሕባር÷ መንግስታት ዝተረጋገዐ ምህዳር ፖለቲካ ንምፍጣር ብትግሃት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ጎንፂ ብልዝብ ንኽፍታሕ ድሌት ኢትዮጵያ ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ክሪስቶፍ ሬዝላፍ ብግደኦም÷ እቲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላምን ኣብ ትግራይ ጊዜያዊ ምምሕዳር ምምስራቱን ንኢዶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.