ኣፈፃፅማ መደባት 9 ኣዋርሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ተረኸብሉ ተገምጊሙ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃፅማ መደባት 9 ኣዋርሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ተረኸብሉ ተገምጊሙ።
ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ እቲ ፀብፃብ ኣቕሪበንኡ።
ናህሪ ናብራ ንምምሕያሽ መሰረታዊ ሸቐጣት ብበዝሒ ናይ ምቕራብ ሰንሰለት ንግዲ ናይ ምሕፃር ስራሕቲ ብምፍፃም ብማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣቢሉ እቲ ሸቐጣት ንክቐርብ ምግባር ምኽኣሉ እተን ከንቲባ ተዛሪበን።
ን329 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ነምፍጣር ዝተትሓዘ ትልሚ ልዕሊ 340 ሺሕን 600 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪበን።
ብተወሳኺ ን101 ሕቶታት ልምዓት ምላሽ ከምዝተውሃበ ሓቢረን።
ልዕሊ 74 ሺሕ ሄክታር መሬት ንኢንቨስትመንት ከምዝተውሃበ ከምኡውን 383 ሄክታር ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተወረረ መሬት ምምላስ ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።
ኣብቶም ኣዋርሕ ልዕሊ 37.3 ቢሊዮን ብር እቶት ንምእካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 43.1 ቢሊዮን ብር ክእከብ ከምዝተኽኣለ ከንቲባ ኣዳነች ገሊፀን።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝፈፀሞም መደባት ርእይቶ ብምሃብ ኣብ ቀፃሊ ብትኹረት ክስራሑ ዝግበኦም ጉዳያት ኣንፈት ምሃቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።