Fana: At a Speed of Life!

ኣፈፃፅማ መደባት ትሽዓተ ኣዋርሕ ንቐዳማይ ሚኒስትር ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ኣፈፃሚ ኣካላት ሎሚ ገምጊምና-ም/ቀ ሚ/ር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃፅማ መደባት ትሽዓተ ኣዋርሕ ንቐዳማይ ሚኒስትር ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ኣፈፀምቲ ኣካላት ሎሚ ገምጊምና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብቶም ኣፈፀምቲ ኣካላት ብትልሚ ዝተትሓዙ ስራሕቲን ኣተገባብራ ሪፎርምን ውፅኢታዊያን ከምዝኾኑ ርእይና ኢሎም።

ኣብ ዝተረፉ ኣዋርሕ ክፍፀሙ ዝግበኦም ተግባራት ብምፍላይ ኣብዚ ዓመት ንምዕዋት ዝተትሓዘ ትልሚ ብዝተማልአ መገዲ ንምፍፃም ምስቶም ሓለፍቲ ስራሕ ምርድዳእ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ፀብፃብ ካብ ዝቐረቡ ዛዕባታት፥ እወንታዊ ውፅኢታት ምጥንኻር፣ ዘለዉ ክፍተታት ምእራምን ኣብ ዝተተለመሎም እዋን ዘይተወገኑ ተግባራት ናይ መከሓሓሲ ትልሚ ብምውፃእ ብምስራሕ ጠንካራ ኣፈፃፅማ ምቕፃል ከምዝግባእ ኣንፈት ከምዝተውሃበ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.