Fana: At a Speed of Life!

ኣፈላላይ ምፍታሕን ኣብ ልምዓት ምድሃብን ቀዳማይ ዛዕባ ፓርቲ ብልፅግና ኢዩ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኢትዮጵያ ናብ ብራኸኣ ንምውሳድ ኣፈላላያት ምፍታሕን ኣብ ልምዓት ምድሃብን ቀዳማይ ዛዕባ ፓርቲ ብልፅግና ከምዝኾነ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ስሩዕ ኣኼቡኡ ካብ ሞንጎ ዝዘተየሎም ዛዕባታት ሰላምን ልምዓትን እቶም ቀንዲ ከምዝኾኑ ኣይተ ተመስገን ኣፍሊጦም፡፡

ብፓርቲ ብልፅግና ዝምራሕ መንግስቲ ንኢትዮጵያ ካብ ዑደት ጎንፂ ንምልቓቕ ጥንኩርን ተቐባልነት ዘለዎን ሃገረ- መንግስቲን ኣብ እወንታዊ ህንፀት ሰላም ነዊሕ ርሕቐት ከምዝተጉዓዘ ገሊፆም፡፡

ለውጢ ዘይተውሓጠሎም ኣካላት ዝፈጠሩዎም ጎንፂታት ብድርድርን ብዘተን ከምዘህደአ እውን ኣልዒሎም።

እወንታዊ ህንፀት ሰላም ንምዕዋት ፀገማት ብሃገራዊ ዘተ ንምፍታሕ፣ ስግግር ፍትሒን ተግባራት ተሃድሶን ንምውጋን ተግባራዊ ቆራፅነት ኣብ ምርኣይ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ዕጥቂ ተሓንጊጦም ንዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብዝገበሮ ፃውዒት መሰረት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብዙሓት ዝዓጠቑ ጉጅለታት ብሰላም ብምምፃእ ፀፅታን ልምዓትን ሃገር ኣብ ምርግጋፅ ቀንዲ ተዋሳእቲ እናኾኑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ብዘላቕነት ዝሕልዉ ጥንኩራት ትካላት ፀፅታ ከምዝተሃነፁ እውን ፀሪሖም፡፡

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀሳማይ ጉባኤኡ ህዝቢ ማእኸል ዝገበሩ ኩለመዳይ ልምዓት ኢኮኖሚ ከምዝትግብር ቃል ከምዝኣተወ ብምዝኽኻር፥ ብመሰረት እዚ ዘዕግቡ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ኣብሪሆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.