Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ 43 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ኣታዊ 43 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ሽፈራው ተሊላ ከምዝበሉዎ÷ ዝተቐላጠፈን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንሕብረተሰብ ተበፃሒ ንምግባር ብዕቱብ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ኣብ ዝተዛዘመ 2016 በጀት ዓመት ልዕሊ 427 ሺሕ ሓደሽቲ ዓማዊል ምፍራይ ከምዝኸኣለ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2016 ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ኣታዊ 43 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምርካብ ከምዝተኽኣለ እውን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም፡፡

ፀገም ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ዓቕሚ መስመራት መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ ምዕባይ፣ ስራሕቲ መፈተሺን መፀገኒን እናተወገኑ ከምዝርከቡ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.