Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 205 ሰራሕተኛታት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 205 ሰራሕተኛታት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።

ንሕቶ ዓማዊል ምላሽ ንምሃብ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ፓስፖርት ምሕታሙን ካብዚ 640 ሺሕ ንዓማዊል ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ዳዊት፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 2016 ዓ.ም ዝጠመተ መግለፂ ሂበን።

ድሕሪ 16 መጋቢት 2016 ዓ.ም ዜጋታት ብመሰረት ዝተውሃቦም ቆፀሮ ፓስፖርቶም ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም ኢለን።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 205 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክሳብ ምብራር ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊፀን።

ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎምን ኣብ ዘይተፈቐደ ስራሕ ዝተዋፈሩን ልዕሊ 10 ሺሕ ዜጋታት ወፃኢ ዓዲ ምርመራ ብምግባር ከከምጥፍኣቶም ተሓተትቲ ንክኾኑ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.