Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ብር 14 ነጥቢ 7 ቢሊየን ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣብ 2016 ዓ.ም ብር 14 ነጥቢ 7 ቢሊየን  ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ዳዊት፥ ኣሰራርሓ ኣተኣኻኽባ እቶት ብምምዕርራይ እቲ ኣታዊ ብሰለስተ ዕፅፊ ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።

ኣብ ኣወሃህባ ፓስፖርትን ኣመልከትትን ብግቡእ መገዲ ብምትእንጋድ ብመሰረት ዝተሰርሐ ስራሕ ኣገልግሎት ዓማዊል ምቅልጣፍ ከምዝተኽኣለ እውን ሓቢረን።

እቲ ትካል ዝገብሮ ዘሎ ስራሕቲ ለውጢ ካብ 1986 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣብ አግድ ዝነበሩ ልዕሊ 10 ሺሕ ውልቀ ሰባት ናፃ ምግባር ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፀን።

ልዕሊ 34 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ጊዚያዊን ቀዋሚን ፈቓድ መንበሪ ከምዝተውሃበ እውን ገሊፀን።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በዝፀደቐ ሓዱሽ ኣዋጅ መሰረት ተመን ዋጋ ካብ 1 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጠን።

ብይስማው ኣደራውን ሰሎሞን ይታየውን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.