ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ስግር ሃገር ኣብ ዝህባ ተሸከርቲ ምምሕያሽ ታሪፍ ትራንስፖርት ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ወሰኽ ነዳዲ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ስግር ሃገር ኣብ ዝህባ ተሸከርቲ ምምሕያሽ ታሪፍ ትራንስፖርት ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ኮጂስቲክስን ኣፍሊጡ።
እቲ ሚነስትር ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ስግር ሃገር ኣብ ዝህባ ተሸከርቲ ምምሕያሽ ታሪፍ ትራንስፖርት ገይሩ ዘሎ፤ ካብ 30 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ምምሕያሽ ምግባሩ ስዒቡ ኢዩ፡፡
ብመሰረት እዚ ነባር ታሪፍ ብደረጃ ሓደ ተሸከርከርቲ ኣብ መገዲ ኣስፋልት ብሰብ ብኪሎ ሜትሮ 0 ነጥቢ 493 ዝነበረ በቲ ሓዱሽ ታሪፍ ብኪሎ ሜትሮ 0 ነጥቢ 038 ወሰኽ ብምግባር 0 ነጥቢ 532 ኮይኑ፡፡
ደረጃ ሓደ መገዲ ፀፀር ንሓደ ሰብ ብኪሎ ሜትሮ ታሪፍ 0 ነጥቢ 548 ዝነበረ ናብ 0 ንጥቢ 596 ክብ ኢሉ፡፡
ብደረጃ ክልተ መገዲ ኣስፋልት ንሓደ ሰብ ብኪሎ ሜትሮ ታሪፍ 0 ነጥቢ 457 ዝነበረ ናብ 0 ንጥቢ 496 ክብ ኢሉ፡፡
ብደረጃ ክልተ መገዲ ፀፀር ንሓደ ሰብ ብኪሎ ሜትሮ ታሪፍ 0 ነጥቢ 505 ዝነበረ ናብ 0 ንጥቢ 554 ክብ ክብል ተገይሩ፡፡
ብደረጃ ሰለስተ መገዲ ኣስፋልት ንሓደ ሰብ ብኪሎ ሜትሮ ታሪፍ 0 ነጥቢ 416 ዝነበረ ናብ 0 ንጥቢ 455 ክብ ክብል ተገይሩ፡፡
ብደረጃ ሰለስተ መገዲ ፀፀር ንሓደ ሰብ ብኪሎ ሜትሮ ታሪፍ 0 ነጥቢ 471 ዝነበረ ናብ 0 ንጥቢ 520 ክብ ክብል ከምዝተገበረ ካብቲ ሚኒሰቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።